ብዛዕባ ሚር/MiR

Multikulturelt Initiativ og Ressursnettverk/ተበግሶ ባህላዊ ብዙሕነትን ምንጪ መርበብ ርክብን (ሚር/MiR ) ካብ ብሄርን ማሕበራዊ ድሕረ ባይታን ናጻ ዝኾነ ካብ/ን ወለዲ፡ ቈልዑን መንእሰያትን መርበብ ርክብ እዩ። ንመዋእለ ሕጻናት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ስድራቤትን ሕብረተሰብን ዝምልከት ጕዳያት ከኣ ብኣረኣእያ ባህላዊ ብዙሕነት ምኽርን ሓገዝን ይህብ። ሚርፍ/MiR ብተወሳኺ ንገለ ጕጅለታት ምስ መንግስትን ሕብረተስብን ርክባት ኣብ ዝገብሩሉ ከም ኣፈኛ ኮይኑ የገልግል።

ራእይ ናይ ሚር/MiR ኣብ መንጎ ወለዲን፡ ቈልዑን፡ መንእሰያትን ሕብረተሰብን መራኸቢ ድንድል ምዃን እዩ። ከም ውጽኢት ከኣ ህይወትካ ምቍጽጻር፡ ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ማዕርነታዊ ተሳታፍነት ክብ ንኽብል የበርክት። እቲ ውድብ ካብ ፖለቲካ ይኹን እምነት ጸግዒ የብሉን።


Permalenke til denne artikkelen: https://www.mirnett.org/wp/%e1%89%a5%e1%8b%9b%e1%8b%95%e1%89%a3-%e1%88%9a%e1%88%ad-mir/